Skip to main content Skip to footer

ቤት ትምህርቲ ባህሊ ስትዮርዳል ናይ ኮሙነ ኣገልግሎት ኮይኑ፡ ብሙዚቃ፡ ሳዕስዒት፡ ትያትርን ስእላዊ ስነጥበብን ትምህርቲ ዝህብ እዩ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ኮሙን ስትዮርዳል ንዝነብሩ ክሳብ 20 ዓመት ንዝዕድሚኦም ህጻናትን መንእሰያትን ዝወሃብ እዩ። 

እቲ ትምህርቲ ኣብተን ኣብቲ ኮሙነ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ከምኡውን ኣብ ማእከል ስትዮርዳል ኣብ ዝርከብ ቤት ባህሊ ኪመን ይካየድ። ተማሃሮና ካብ ሰሙናዊ ትምህርቲ ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤት ትምህርቲ ባህሊ ኣብ ዝካየዱ ኮንሰርታትን ምርኢታትን እውን ይሳተፉ እዮም። 

ኩሎም ወለዲ ናይ ተማሃራይ ክፍሊት ይኸፍሉ (ኣብ ታሕቲ ርአ)፣ ብዘይካዚ፡ ኣብ ሳዕስዒት፣ ድራማን ስእላዊ ስነጥበብን ዝመሃሩ ተማሃሮ እውን ንኸም ኣልባሳትን ካልእ ናውትን ዝወጽእ ወጻኢታት ዝሽፍን ክፍሊት ይኸፍሉ። 

እተፈላለየ ትምህርቲ ንዝመሃሩ ተማሃሮ፡ ከምኡውን ንኣሕዋት ናይ ዋጋ ምንካይ ንገብር ኢና። 

ገለ መሳርሒታት እውን ነካሪ ኢና፣ ብቐንዱ ሻምብቆን ቫዮሊንን። 

ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት፡ ንዓበይቲ ተማሃሮ (ልዕሊ 20 ዓመት) እውን ንቕበል ኢና። እዞም ተምሃሮ ዕጽፊ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት ይኸፍሉ።  

 

ንጠቕላላ እቶት ስድራቤት መሰረት ብምግባር ክፍሊት ክንከየልካ ምሕታት ይከኣል እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ሰሚስተር ንኹሎም ተማሃሮ ይለኣኽ እዩ።  

 

ዝርዝር ዋጋ፦ 

ክፍሊት ተምሃራይ፦ 2297 ክሮነር 

ክፍሊት ተማሃራይ፣ ስእላዊ ስነ ጥበብ፣ ሚኒ ጥሩምባ፦ 3387 ክሮነር 

እተፈላለየ ትምህርቲ ንዝምሃሩ/ኣሕዋት ንዘለዎም ዝንከ ክፍሊት፦ 524 ክሮነር 

ክፍሊት ናውቲ (ድራማ፣ ሳዕስዒትን ስእላዊ ስነጥበብን)፦ 154 ክሮነር 

ክፍሊት ተምሃራይ ንዓበይቲ፦ 4596 ክሮነር 

 

ኩሉ ዋጋታት ንሓደ ሰሚስተር ዝምልከት እዩ።  

 

ናይ ርክብ ኣድራሻ፦ kulturskolen@stjordal.kommune.no 

ቦታ ንምርካብ ኣብዚ ዚስዕብ ኣመልክቱ፦ https://nostjoerdal.speedadmin.dk/registration#/ 

ቀንዲ ገጽ፦ Hjem | Stjørdal kulturskole (stjordalkulturskole.no)